NSelam.com

ደንበ ሳሓቕ ምስ ጸወታ፡ ዋዛ ምስ ቁምነገር!

Home Pages

ዓውደ ኣዋርሕ - Calendar | ሙዚቃ - Music |
ርክባት ሌላ - Chat |
ፍጻሜታት - Events |
ንፍሽኽታ - Joke |
 

Global Links

deqebat | Om Dawit Isack |
Human Rights | Unicef |
Amnesty United Nations

Mozilla firefox - Ladda Ner Firefox Surfa bättre med Mozilla Firefox
Ladda ner Firefox

 

ሳሓቕ ምስ ጸወታ፡ ዋዛ ምስ ቁምነገር!...


መሬትና'ዩ ዝዱኳዕ ዘሎ፡

ወርሒ ታሕሳስ 2008 ዓ.ም. ኣብ ናይ ስሉሳዊ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስትሪታት እዚ ኣብ ሃገርና ዝጓሓፍ ዘሎ ሓተላ መርዛም ዝኾነ ብከላ ባሕርን መሬት ዘባድንን ስለ ዝኾነ ክሕሰበሉ ኣለዎ ኢሎም ንፕረሲደንት ኢሰያስ ሓተትዎ። ፕረሲደንት ኢሰያስ ንካቢነ ሚኒስትሪታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኤውሮፓውያን ይኹኑ ኢራን ዘይፈለጥዎ ጥቕሙ ናይቲ ጓሓፍ ረብሓ ኣለዎ። ቀዳማይ ብሚሊዮናት ዶላር ንኽፈሎ፣ ካልኣይ ከምቲ ሓረስታይ ንግራቱ ዱኽዒ ዝድኮዖ፡ ሃብቲ መሬትና ደይዝዱኳዕ ዘሎ ክብል መለሰ ይባሃል።



ቃልና ሓንቲ'ያ፡

ካቢነ ሚኒስትሪታት ከም ፎርማሊቲ ኣኼባ ቀጻልነት ኣብ ዘካይድሉ እዋናት ዝተዓዘበ ሓደ በዓል ስልጣን ካብኣቶም፡ ንሕቶኡ ከምዚ ክብል ሓተተ። ኣብዚ ዝሓለፉ 15 ዓመት ዝተኻየደ ኣኼባታት ሓደ ዓይነት ስትራተጂ ዝሓዘለ ንምዕባሌናውን ለውጢ ዘይብሉ ከነማሕሾ ዀይኑ ይስማዓኒ ክብል ንፕረሲደንት ኢሰያስ ሓተቶ። ፕረሲደንት ኢሰያስ ሓየቶም ከኣ ቃልና ቃል ስርዓት ህግደፍ ሓንቲ'ያ ኣይትቕየር ኣይትልወጥ ኢልዎ ይባሃል።




ናይ ዶብ ሽግር ምስ ተወድአ፡

ሓደ ተመሃራይ ኣብ ሓደ ክፍሊ ሰለስተ ግዜ ይተርፍ‘ሞ፡ ዝገረሞ ኣቡኡ ኸኣ፡ ኣታ ቆልዓ መዓስ ኢኻ ደኣ ትምህርቲ ትሓልፍ ይብሎ። ቆልዓ ድማ ትቕብል ኣቢሉ ናይ ዶብ ሽግር ምስ ተወድአ በሎ ይብሃል።

ካብ ተስፋልደት...



ኩርኳሕ፡

ሓደ መንእሰይ ካብ ኤውሮፓ ናብ ኣስመራ መገሻ ንቅሎ ዀይኑ ምስ ስድሩኡ ኸደ። ኣብ ኣስመራ ምስ ደቂ ጎራባብቱን ምስ ሓያሎ ደቂ ኣስመራን ተላለየ። ኣብ ዕላል ዕላል ሓንቲ ቃል ካብቶም መንእሰያት ሰሚዕዋ ዘይፈልጥ የዘውትርዋ ነበሩ። ኩርኳሕ መጺኦም ኢሎም ከኣ እቶም መንእሰያት ካብ ዕላሎም ክሳብ እቲ ሓላፍ መንገዲ ዝሓልፈሎም የስቅጡ። ትርጉማን እንታይ ማለቶም ምኳኖምን ትገርሞውን ነበረት። ሓደ መዓልቲ ንሓደ ካብቶም የዕርኽቱ እዛ ኩርኳሕ ትብልዋ ቃል እንታይ ማለትኩም'ዩ ኢሉ ሓተቶ። ወዮ ዓርኪ ኸኣ ኩርኳሕ ደኣ...ጠፊኡካዶ፤ ኩርኳሕ ኰይኖምና ዘለዉ ስርዓት ህግደፍን ጃሱሳቶምን ተጋደልቲ ኢና ብኣሃልትን እዮም ኢልዎ ይባሃል።



ፖለቲካዊ ትምህርቲ፡

ኣብ ሳዋ ሓደ ካድር ብቪዲዮ ምርኢት ዝተሰነየ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ይህብ ነበረ። ትሕስቶ ናይቲ ቪዲዮ ምርኢት ብዛዕባ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣጃማምሩኡን ን30 ዓመት ዘሕለፍዎ መሪር ቃልሲ ተጋደልትን፡ ክሳብ ኣስመራ ዝኣተውሉ ዕለት ዘርኢ ዝተፈጸመት ምርኢት ካሴት ኣርኣየ። ድሕሪ ምርኢት ወዮ ካድረ ናይ ሎሚ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኣብዚ ወዲእና ኣለና እንዳበሎም ኮሎ ከይወደኤ ዘረብኡ፡ ሓደ ካብቶም ኣገልግሎት ገልብጣ እታ ካሴት ክትወጹ እንከለኹም ክንርኢ በሎ። ካድረ ማሃንቱረ ኸኣ ካሴት ቪዲዮ ኣይግልበጥን'ዩ ኢልዎ ይባሃል።




ሻዕብያ፡

ሓደ እዋን ሓደ ባዓል ስልጣን ህግደፍ ንህዝቢ ኣኪቡ መደረ ሂቡ ምስ ወደኤ ሕቶታት ንህዝቢ ክህቡ ሓተተ። ኣኸበኛ በቲ መደረ ቅጭ መጺዎ ዝምልስ ተሳእነ ኩላ ኣስቀጠት። ካብቲ ኩሉ እኩብ ግን ሓደ ሽማግለ ዓቢ ሰብኣይ ካብቲ ተቐሚጦምሉ ዝነበሩ ተንሲኦም ቃሎም ከስምዑ ከምዚ በሉ፡... ሻዕብያ ንሱኹም ቀጠፍቲ፡ ሰረቕቲ፡ መዳናገርቲ፡ ለያቡ፡ መጣፋፋእቲ፡ እ.. እ.. እ..ኣይፈትዉንዮም ኢሎም ንየማነ ጸጋመ እንዳጠመቱ ኮፍ በሉ ይባሃል።



ኣድጊ፡

ሓደ መዓልቲ ኢሰያስ ምስ በዓል ጆስቡሽ ቀዛፊ ሙባረክን ኰይኖም መንገዲ ይጓዓዙ ነበሩ። ኣብ ሓንቲ ቀጣንን መጻደፍ ዝኾነት መንገዲ ምስ በጽሑ ሓደ ኣድጊ ነዛ መጻደፍ መንገዲ ተገቲሩ ዕጹው ኣቢልዋ ጸንሖም። ቻ እንተበሉ፡ ንዓወሽ እንተበሉ፡ እንተኸትከቱ ወዮ ኣድጊ ከርኒቡ ዕጭ ሓንፈፈ። ኢሰያስ ግን ትም ኢሉ ይዕዘቦም ነበረ። ኩሎም ዝካኣሎም ምስቀበጹ ኢሰያስ ኪድ ኢሉ ናብቲ ኣድጊ ኣብ እዝኑ ሕሹኽ ኢልዎ ናባዓል ጆስቡሽ ምልስ ኢሉ ፍሽኽ በሎም። ወዮ ኣድጊ ኸኣ መንገዱ ሒዙ ጣጥ ኢሉ ዕርብ ኢሉ ኣይጎይይን። ኢሂ እንታይዀይኑ እንተበልካስ፡ ስኖእ ንሳዋ ክሰደካ እየ ምስበሎ እዩ ብስምባደ ወዮ ኣድጊ ሃደመ ኢባሃል።



ኣቦይ ሓጎስ፡

ኣቦይ ሓጎስ ሕልሚ ይፈትሑዮም ሰሚዑ ሓደ ተጋዳላይ ናብኦም ከደ። ሕልሙ ምስ ኣካፈሎም ንሕልሙ ከምዚ ኢሎሞ መለስሉ። ጻዕዳ ኣትዩ ምስ ወጸ፡ (መግዛእቲ ጣልያን) ካልእ ጻዕዳ ኣትዩውን ምስ ወጸ፡ (መግዛእቲ እንግሊዝ) እንሀልካ ደጊም ራእሲ ጸሊምውን ኣተወ፡ (መግዛእቲ ኢትዮጵያ) ንሱውን ወጸ። ንሱኩም ምስ ኣተኩም ኣበይሞ ድቃስ ረኺብና ክንሓልሞ ኢለሞ ይባሃል።



ገፈፍቲ፡

ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዓሳታት ናይ ባሕሪ በቶም ገፈፍቲ ዓሳ ስለ ዝተረበሹ ዋዕላ ገበሩ። ነፍሲ ወቀፍ ዓሳ ክሳዱ ልዕሊ ማይ ኣልዒሉ ብዝተኽኣለ መጠን ናይ ሰኮንድታት ጫፍ ቅልቅል ውጥም ኢልካ ንውሽጢ ማይ ስጥም ከምዝግበር ክቕልቀሉ ተሳማምዑ። ሓደ ዓሳ ነብሱ ዝመነነ ግን ኩሉ ሞት'ዩ ኢሉ ቅልቅል ኢሉ እንተራኣየ፡ ሓደ ከምዚ ከምኡ ዝመነነ ነብሱ ብሰላም ንበይኑ ብሒቱ ከንሳፍፍ ልዕሊ ማይ ጸንሖ። ኢሂዳኣ ነብሲ ከይትግፈፍ ኣይትፈርሕን ዲኻ ኢሉ ሓተቶ። ደሓን ሰላም'ዩ፡ ኩላ ገፋፎ ተገፊፋ ንሳዋ ወሪዳ'ያ ኢልዎ ይባሃል።



ዓሳ ነባሪ፡

ዓሳታት ባሕሪ ኤርትራ ሰብ ክሕብስ ዘዝመጸ ሰሲሒቦም ንውሽጢ፡ ሰሲሒቦም ንውሽጢ የጥልቕዎ። ሓደ መዓልቲ ብትእዛዝ ንሓደ ሲሒቦም ምስ ኣጥለቅዎ ጸንፈለል እንዳበለ ንውሽጢ ክኣቱ እንከሎ፡ ወዮ ዓሳታት ተዳልዮም ዝጸንሑ ምስ ረኣይዎ ኩላቶም ርእሶም ሒዞም ደነኑ። ኢሂዳኣታ እንታይ ተረኽበ እንተተባህለስ። ብገጋ ብሽም ኣፈወርቂ ዘይተኣዘዝዎ ንኢሰያስ ዝተሓስበስ፡ ንኣብራሃም ኣፈወርቂ ኰይኑ እንዳሓዘኑ ንረሳ ሒዞም እንዳዓጀቡ ነቲ ረሳ መርሑ ይባሃል።